ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣሜሪካ ቑፅሪ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮፓ ክትንኪ እያ…

መቐለ 01 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቁፅሪ ዲፕሎማት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዋሽንግተን ክትንኪ እያ።

ኣብዚ ጉዳይ መግለፂ ዝሃበ ሕብረት ኣውሮፓ ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ምንካይ ቁፅሪ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዋንግተን ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ናብ ጥርጣረ ክኣትው ዝገብር እዩ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ንምንታይ እቲ ቁፅሪ ክንኪ ይገብር ከምዘሎ ዕላዊ ኣይነበረን ዝበለ ሕብረት ኣውሮፓ ምላሽ ዝረኽበሉ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝቕረበ ድማ ወሃቢት ቃል ሕብረት ኣውሮፓ ማጃ ከሺጃንሾ ገሊፀን።

ቅድም ክብል ኣሜሪካ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከምትፍፅም ክተጠንቕቕ ምፅንሓ ዝሓበራ እተን ወሃቢት ቃል ብርክት ዝበሉ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደራትን ስግኣት ሓዲርዎ ከምዝፀንሐ ሓቢረን።

ካብ ቐረባ እዋናት ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ምስ ንግዳዊ ርክባትን ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነትን ዝረኣ ዘሎ ዘይምቕድዳው ቐንዲ መሻርኽቲ ዝነበራ 2ቲኤን ሃገራት ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ከየምርሓ ዘስግእ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ።