ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ድረ-ገፆም ኣፀያፊ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዝልጥፍ ኩባንያታት....

መቐለ 26 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ መፀየፍቲ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዝልጥፍ ኩባንያታት ውፅኢት ቴክኖሎጂ ወይ ድማ ማሕበራዊ ሚድያታት ብገንዘብን ብማእሰርትን ዘቅፅዕ ሕጊ ከምዝደንገገት ተገሊፁ።

ኣብ ድረ-ገፆም ኣፀያፊ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እንድሕር ተለጢፉ ብ10.5 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘቐፅዕን ብፍላይ ምሓለፍቲ ስራሕ እተን ኩባንያታት ድማ እቲ መቕፃዕቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ መስጊድ ኒውዝላንድ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ብፌስቡክ ብቐጥታ ከምዘመሓላለፉ ዘዘኻኸሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪስን ብዕሊ ድማ ኮኒኖምዎ ኣለው።