ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣማኻሪ ድሕንነት ኣሜሪካ ጆን ቦልተን ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም…

መቐለ 06 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኣማኻሪ ድሕንንት እታ ሃገር ጆን ቦልተን ካብ ስርሖም ከምዘባረሩዎም ተገሊፁ።

ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ሰሜን ኮርያ፣ ኢራን፣ ኣፍጋኒስታንን ሩስያን ዘለዎም ኣተሓሳስባ ክስማዕምዑ ብዘይምኽኣሎም ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብዝፀሓፍዎ መግለፂ ንጆን ቦልተን ዝሓለፈ ምሸት ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምፅንሑ ኣገዳሲ ከምዘይኮነ ሓቢሩሉ እዩ።

ብኹሎም ሓሳባቱ ክንስማዕማዕ ኣይከኣልና ስለዚ ኣብ ቐፃሊ ሰሙን ብኻልእ ክንስማዕማዕ ኣይከኣልናን ስለዚ ኣብ ቐፃሊ ሰሙን ብኻልእ ሰብ ክትካእ እዩ ኢሎም ኣለዉ።

ጆን ቦልተን ድማ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ፅዕንቶ ካብ ምፍጣር ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክፈትሑዎ ከምዝግባእ እዮም ብተደጋጋሚ እናገለፁ ፀኒሖም።

ብሓፈሻ ምስ ሃገራት ኢራን ሩስያን ካብ ቐረበና እዋን ንነዘ ድማ ምስ ኣፍጋኒስታን ዘለዎም ርክብ ድማ ግጉይ ምዃኑ ምግላፆም CGTN ፀብፂቡ።