ካብ ዓውደ ዓለባ 89ሚልዮን ዶላር እቶት…

መቐለ ነሓሰ 23/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2016/17ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ዓውዲ ዓለባ ልዕሊ 89ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ።

ኣብቲ ዓውዲ ን17ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ’ዩ።

ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት ኢትዮጵያ ሰደድ ካብ ትገብሮም ምህርታት ዓለባ 271ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብን ን30ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ትልሚ ሒዛ ኣላ።

ድሩት ዓቕሚ መፍረያይነት፣ ዋሕዚ ጥረ ኣቕሓ፣ ምትእስሳር ዕዳጋ፣ ምዝንጋዕ ፕሮጀክታትን ዘይሕጋዊ ንግድን ኣብ ኣፈፃፅማ ሰደድ ምህርቲ እቲ ዓውዲ ካብ ሞንጎ ዝርኣዩ ፀገማት ምዃኖም ሚኒስትር ኢንዳስትሪ ኣይተ ቦጋለ ፈለቀ ተዛሪቦም።

ኣብ ክሊ እዞም ፀገማት ግና ኢትዮጵያ ማእኸል ዓውዲ ኢንዳስትሪ ማኒፋክቸሪንግ ብምዃን ተመዝግቦ ዘላ ቑጠባዊ ዕብየት ንምጥንኻር ትሰርሕ ከምዘላን፤ ከምመርኣያ ንህንፀት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝሃበትን ሓቢሮም።