ፕሮጀክት በትረ ሳይንስ ተጀሚሩ…

መቐለ ጳጉሜን 03/2009(ድወት) ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ን10ሽሕ ዜጋታት ናፃ ዕድል ትምህርቲ ዘውህብ “በትረ ሳይንስ” ዝተብሃለ ፕሮጀክት ከምዘዳለወ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕሮጀክት ሃገርና ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ንምፍታሕ ዕላማ ዝገበረ ኾይኑ ኣብቶም ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

ኣብዚ ፕሮጀክት ካብቲ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ከባቢ 420 ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

በዝሒ ተመራመርቲ፣ ድሌትን ቐረብን ዝምልከት ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ተመራማሪ ንሓደ ሚሊዮን ዜጋታት ከምዝበፅሕ ዘርኢ ምዃኑ ተተካኢ ዳይሬክተር ስግግር ቴክኖሎጅን ኣማኻሪ ቴክኖሎጅን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ዓብዱራዚቕ ዑመር ገሊፆም።

እዚ ኣሃዝ ናብ 500ሽሕ ንምውራድ ካብቲ ተዳልዩ ዘሎ ፕሮጀክት ብዝዘለለ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ይካየዱ ምህላዮም ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ማእኸላይ እቶት ምስዘለወን ሃገራት ንምስራዕ እንተውሓደ 500ሽሕ ተመራመርቲ ከምዘድልይዋ ገሊፆም።