ሓሙሽተ ማእኸላት ወርቂ ተጣይሾም…

መቐለ ጳጉሜን 03/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ካብ ወርቂ እትረኽቦ ንግዲ ወፃኢ ንምዕባይ ሓሙሽተ ማእኸላት ንግዲ ከምዘጣየሸት ዥንዋ ፀብፂቡ።

ዥንዋ ፀሪሑ ድረ-ገፅ ኮስት ከምዘንበቦ እቶም ማእኸላት ምኽፋቶም ምስ ንግዲ ወርቂ ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝፈትሑ እዮም።

ስራሕቲ ማእኸላት ንግዲ ምጅማሮም ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምክልኻል ካብቲ ዓውደ ክርከብ ዝግብኦ እቶት ክብርኽ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ ሚኒሰቴር ተፈጥራዊ ጋዝ መዓድንን ነዳድን ኣይተ ኪሮስ ኣለማየሁ ገሊፆም።

እቶም ማእኸላት ንግዲ ወርቂ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ደቡብ፣ ትግራይ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ከምዝተጣየሹ ድረ-ገፅ ኮስት ሓቢሩ።

እቶም ሓሙሽተ ማእኸላት ንግዲ ወርቂ ምጥያሾም ድማ ሃገርና ኣብ 2017/18 ዓመተ ፈረንጂ ካብ ንግዲ ወፃኢ መዓድን ክትረኽቦ ዝተለመቶ 450ሚልዮን ዶላር እቶት ንምዕዋት ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ኣይተ ኪሮስ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ መዓድን ልዕሊ 231ሚልዮን ዶላር እቶት ከምዝረኸበት እቲ ድረ-ገፅ ፀብፂቡ።