ነፍሰ ፁር ኣደታት ካብ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ሓደ ፕሮጀክት ዕላዊ ኾይኑ…

መቐለ መስከረም 02/2010(ድወት) 400ሽሕ ነፍሰ ፁር ኣደታት ካብ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝሕግዝ ፕሮጀክት ኣብ ሞዛምቢክ ዕላዊ ኾይኑ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ 4ተ ሃገራት ኣፍሪካ ተግባራዊ ዝኸውን ኾይኑ ነፍሰ ፁር ኣደታትን እቶም ዕሸላትን ካብ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዕላማ ዝገበረ’ዩ።

ትካል ጥዕና ዓለም ብዝምድቦ 50ሚሊዮን ዶላር ተግባራዊ ዝኸውን ፕሮጀክት ምክልኻል ዓሶ ነፍሰ ፁር ኣደታት እዚ ሕማም ብስፍሓት ኣብ ዝርኣየለን ሃገራት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ሞዛምቢክ፣ ናይጀርያን ማዳጋስካርን ክትግበር’ዩ።

ኣብ ሞዛምቢክ ጥራሕ ይብሉ ኣብ ቀረባ ዝወፁ መፅናዕታት ልዕሊ 28ሚኢታዊ ነፍሰ ፁር ኣደታት ብሕማም ዓሶ ይጥቅዓ።

እዚ ፕሮጀክት ብርክት ዝበላ ነፍሰ ፁር ኣደታት ዓርሰን ካብቲ ሕማም ክከላኸላ ዝሕግዝ ኾይኑ በዚ ኣብ ሞዛምቢክ ጥራሕ 100ሽሕ ኣደታት ተጠቀምቲ ክኾና ትፅቢት ይግበር ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር። (ዥንዋ)