ኢትዮጵያ ድኽነት ንምውጋድ እናሰርሐት መፂኣ እያ…

መቐለ መስከረም 02/2010(ድወት) ኢትዮጵያ 3ይ ሚሊንየም ካብ ትጅምር ናብዚ ቐንዲ ፀላኢኣ ዝኾነ ድኽነት ንምውፃእ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከምዘላ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 10ዓመታት ብማእኸላይ 10ሚኢታዊ ዕብየት እናመዝገበት ምምፅኣ ዝገለፁ ኾይኖም መላእ ኢትዮጵያውያን ቐፃልነት ዘለዎ ዕብየት እዛ ሃገር ንምግሃድ ፃዕሮም ከሐይሉ ፀዊዖም።

ዘመናዊ ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪያላዊ ምዕባለ፣ ማእኸለዎትን ኣናኣሽቱን ኢንተርፕራይዛት ምትብባዕን ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝወሃቦም ጉዳያት ምዃኖም ድማ አመልኪቶም።

ካብዚ ብዝሰገረ መናእሰይ ኢትዮጵያ ብዕድላት ስራሕ ክተኣሳሰሩን ቴክኖሎጂካዊ ዕብየት ከምፅኡን አበርቲዕኻ ከምዝስራሕ ዝገለፁ ኾይኖም ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአንን ተጠቃምነተንን ከዕብያ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝግበረሎም ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ስርዓት መድብለ ፓርቲ እዛ ሀገር ንምጥንኻር ዝሕግዝ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅ መንግስቲ አበርቲዑ ክሰርሕ’ዩ ኢሎም ኣይተ ሃይለማርያም። (በርናማ ኒውስ)