ግብፂ ሓልያብ ኣብ ካርትኣ ምስፋራ ሱዳን ነቒፋ…

መቐለ መስከረም 03/2010(ድወት) ግብፂ ግዝኣት ሱዳን ዝኾነ ሓልያብ ዝተብሃለ ኸባቢ ኣብ ካርታኣ ኣስፊራቶ ክትብል ሱዳን ወቂሳ።

ሃገራት ግብፅን ሱዳንን ሓልያብ ዝተብሃለ ኸባቢ ብናይ ይግባኣኒ ሕቶ ክዋጠጣሉ ፀኒሐን እየን።

ዳይሬክተር ጀነራል በዓል መዚ ምህንድስና ሱዳን ዓብዳላህ ኣልሳደቅ ኣብ ዋዕላ ሊግ ዓረብ ከምዝገለፅዎ ግብፂ እቲ ዘዋጥጠን ቦታ ናብ ካርታ ሃገራ ዘስፈረትሉ ምኽንያት መብራህርሂ ክትህባ ሓቲታ ኣላ።

ኣብዚ ዋዕላ ልኡኽ ግብፂ እቲ 25ሽሕ ሄክታር ናብ ግዝኣቶም ኣጠቓሊሎም መግለፂ ክህቡ እንትፍትኑ እቶም ሱዳናዊ ልኡኽ እንትቃወሙዎም ተራእዮም።

ሓልያብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ዝሓዘ ኮይኑ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘዋጥጠን ዘሎ ከባቢ እዩ።