ልዕሊ 50ሚኢታዊ ጥንሲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይንፀል…

መቐለ መስከረም 18/2010(ድወት) ብደረጃ ዓለም ካብ ዝካየዱ ስራሕቲ ምንፃል ጥንሲ እቶም ኣስታት 50ሚኢታዊ ድሕንነቱ ብዘይተሓለወ መንገዲ ከምዝካየድ ውድብ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ጋዜጣ ዘ-ጋርዲያን ካብ ወድብ ጥዕና ዓለም ዝረኸበ ሓበሬታ ፀሪሑ ከምዘመላኽቶ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 56ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ በቢዓመቱ ምንፃል ጥንሲ ዘካይዳ እንትኾና ካብዚኤን እተን 50ሚኢታዊ ድሕንነቱ ብዘይተሓለወ መንገዲ ዝካየድ እዩ።

ካብዚ እቲ ዝበዝሓ ድሕንነቱ ዘይተሓለወ ምንፃል ጥንሲ ዝካየድ ኣብ ኣፍሪካ እዩ ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝካየዱ ኣርባዕተ ምንፃል ጥንሲ እቲ ሓደ ጥራሕ ድሕንነቱ ብዝተሓለወ መንገዲ ከምዝካየድ ገሊፁ።

ዘ-ጋርዲያን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዘካየዶ መፅናዕትን ኣብ መፅሄት ዘ ላንሴት ተሓቲሙ ኢሉ ዘውፅኦ ሓበሬታ ድማ ካብ 2010 ክሳብ 2014ዓ.ም ፈረንጂ ኣበ ዘለዉ ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣስታት 56ሚልዮን ምንፃል ጥንሲ ዝተኻየደ ኮይኑ ካብዚ እቶም 17.2ሚልዮን ድሕንነቱ ብዘይተሓለወ ኣገባብ ዝተኻየዱ እዮም።