ኣፍሪካ ብትሕቲ ዕድመ መርዓ ትሀሰ ኣላ፤መፅናዕቲ

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ልዕሊ ሲሶ ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘይሕጋዊን ትሕቲ ዕደመ መርዓን ኣብ ኣፍሪካ ከም ዝፍፀም ሓደ መፅናዕቲ ገሊፁ።

ትካል ህፃናት ዓለም ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ፤ኣብ ዓለምና በቢ ዓመቱ ኣስታት 7.5 ሚልዮን ትሕቲ ዕድመን ዘይሕጋዊን መርዓ ከም ዝፍፀም ሓቢሩ።

ካብዚኦም እቲ ዳርጋ ሲሶ ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪካ ከምዝፍፀም እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።ካብዚኣተን ድማ ኒጀር፤ቻድን ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካን ቅድሚት ይስርዓ።

ነዚ ስዒቡ ዝምፅእ ትምህርቲ ምቁራፅን፤ኣካል ከይደልደለ ዘጋጥም ጥንሲን ንደቂ ኣነስትዮ ዓብይ ማሕበራዊን ጥዕናዊን ፀገማት የጋጥመን ከምዘሎ ድማ እቲ መፅናዕቲ ገሊፁ።

ሕጋዊ ፍቓድ ሓዳር ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ክፍፀም፤ጥብቕ ዝበለ ቁፅፅር ምክያድ ድማ እቲ መፅናዕቲ ናይ መወዳእታ መፍትሒ ኢሉ ዘቐመጦ ምዃኑ ሲጂቲኣን ፀብፂቡ።