ግብፂ ደንጊጋቶ ዝፀንሐት ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ክተናውሖ ምዃና ገሊፃ።

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ግብፂ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ንክርስትያን ዜጋታታ መሰረት ገይሩ ብተደጋጋሚ ይበፅሕ ዝነበረ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ደንጊጋ ምፅንሓ ይፍለጥ።

ሮይተርስ ንጋዜጣ ግብፂ ፀሪሑ ከም ዝፀብፀቦ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ፤ካብ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝናዋሕ ገሊፁ ኣሎ።

ግብፂ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ብዘጋጠማ ሓደጋ ግብረ ራዕዲ 45 ሰባት ሞይቶም ምንባሮም ይዝክር።

እቲ ሽዑ ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳግም ክናዋሕ ተገይሩ ከምዝነበረን፤ሐዚ ንኻልኣይ ግዘ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ከም ዝናዋሕን ፕሬዝደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊፆም።