ግብፂ ሓዱሸ ማእኸል ዕዳጋ ክተኸፍት እያ…

መቐለ ጥቅምቲ 02/2010(ድወት) ግብፂ ምስ ኮርፖሬሽን ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና ብምትሕብባር ማእኸል ዕዳጋ ዘለዎ ዓብይ ከተማ ክትሃንፅ ስምምዕ ኣካይዳ።

እቲ ህንፀት ካብ ካይሮ 50 ኪሎሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝህነፅ ዘበናዊ ከተማ ምዃኑ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ዝህነፅ ከተማ 3 ቢልዮን ዶላር ዘውፅእ ኾይኑ፤ሚኒስትር ኣባይቲ ግብፂ ሙስጦፋ ሚድቡለይ ምስ ፕሬዝደንት ኮርፖሬሽን ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና ዠንግ ዡዋን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ሓዱሽ ዝህነፅ ማእኸል ዕዳጋን ከተማን ኣስታት 345 ሜትሮ ንላዕሊ ዝስራሕ ህንፃ ዝሓዘን፤12 ማእኸላት ንግዲ፤ክልተ ዓለም ለኸ ሆቴላትን፤ሓሙሽተ ናቑጣታታት መንበሪን ዝሐዘ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ 43 ኣዋርሕ ዝህነፅ ሓዱሽ ማእኸል ንግዲ፤ኣብቲ ቦታ ካብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ህንፃ ክስርሐሉ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

እዚ ስምምዕነት ቻይና ምሕዝነት ንግዲ ሓደ ቅናት ሓደ መንገዲ ክትብል ናይ ዘውፅኣቶ ሓደ ኣካል ምዃኑ ማዕኸን ዜና ሲጂቲኣን ፀብፂቡ።

ርክብ ቻይናን ግብፂን 60 ዓመት መሊእዎ ኣሎ።