በዓል መዚ ቱሪዝም ኳታር ኣብ ህንድን ሩስያን ኣብዚ ውሽጢ ....

መቐለ ጥቅምቲ 13/2010(ድወት) በዓል መዚ ቱሪዝም ኳታር ኣብ ህንድን ሩስያን ኣብዚ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ ወኪል ቢሮ ንምኽፋት ከምዝተለመ ዕላዊ ገይሩ ክብል ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ።

እዚ ድማ ኳታር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዕዳጋ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝሰተጋገረት ዘርኢ ምንቅስቓስ እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ሓላፊ ምልላይን ዕድጊትን በዓል መዚ ቱሪዝም ኳታር ኩራሲ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ዓውደ ቱሪዝም እታ ሃገር ንምዕባይ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እዚ እቲ በዓል መዚ ኣውፂእዋ ዘሎ ትልሚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ሃገር ዘለዋ ድሌት ንምውሳኽን ኳታር መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝኾነት ንምልላይን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋነ ኳታር ንሃፍቲ ቱሪዝም ዘላሊ ትሽዓተ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ከምዘለዉዋ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።