ብብርኪ ዓለም መጠን ዝወሰድ ልቓሕ ወሲኹ…

መቐለ ጥቅምቲ 15/2010(ድወት) ብብርኪ ዓለም ሰብ ሃፍቲ ትካላትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝወሰዱዎ ልቓሕ ልዕሊ 226 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ባንክታት ዓለም ዝህብኦ ዝነበራ ልቓሕ ዳግማይ ክክልስኦ ተሊመን ይሰርሓ ከምዘለዋ’ውን ሮይተርስ ገሊፁ።

ቅድም ክብል ባንክታት ዓለም ብዝተሓተ ወለድ ዝህበኦ ዝነበራ ልቓሕ ሚዛን ቑጠባ ዓለም ኣብ ምትሓዝ ዓብይ ግደ ኣበርኪቱ ከምዝፀንሐ እውን ተሓቢሩ።

ኢንስቲትዩት ዓለምለኸ ፋይናንስ ዘካየዶ መፅናዕቲ ከምዝገለፆ ድማ ሐዚ ባንክታት ዓለም ኣለቂሐንኦ ዘለዋ ገንዘብ ካብ ሓፈሻዊ ኣታዊ ዓለምና ብ324ሚኢታዊ ዝዓበየ እዩ።

ኣብ ዓለም ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 226 ትሪልዮን ዶላር ካብ ባንክታት ዝተረኸበ ልቓሕ ዘሎ ኮይኑ ካብዚ እቲ 59 ትሪልዮን ዶላር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝተለቅሐኦ ምዃኑ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።