ኤርትራ ሰላም ቐርኒ ኣፍሪካ ትዘርግ ኣላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

መቐለ ሕዳር 03/2010(ድወት) ኤርትራ ሰላም ቐርኒ ኣፍሪካ ንምዝራግ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቋት ትሕግዝ ኣላ ኢሉ ጉጅለ መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት።

ፀብፃብ ጉጅለ መፅናዕቲ ጉዳያት ኤርትራን ሶማልያን ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ እንትኾን ፃሕታራይ ነገር ኤርትራ ብዋናነት ሃገራት ኢትዮጵያን ጁቡትን ንምሕማስ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኤርትራ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንምሕማስ ንዕጡቋት ጉጅለ ግንቦት 7 ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉል ከምኡ’ውን ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዴሞክራስን ንዝተብሃለ ጉጅለን ከምትሕግዝ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

እቲ ጉጅለ ኣብዘቅረቦ ፀብፃብ ኤርትራ ነየነይቲ ሃገር ቐንዲ ስግኣት ከምዝኾነት ዋላ’ኳ ተዘይሓበረ እቲ እትገብሮ ሓገዝ ግን ኣብ መንጐ ዞባዊ ሃገራት ሰላምን ሓድነትን ከይፍጠር ዝዓለመ እዩ ኢሉ።