ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሊብያ ዝፀንሑ ስደተኛታት ናብ ኒጀር የስግር ኣሎ

መቐለ ሕዳር 04/2010(ድወት) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሊቢያ ተዓቂቦም ዝፀንሑ ስደተኛታት ናብ ኒጀር የመሓላልፎም ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ተውፃእፂኦም ኣብ ሊብያ ተዓቂቦም ዝፀንሑ ስደተኛታት ንድሕንነቶም ክበሃል ናብ ኒጀር ክሰግሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዊልያም ስፒን ዶላር ከምዝገለፅዎ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ከብፅሖ ዝክእል ፅዕንቶ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ናብ ኒጀር ክሳገሩ ዝስራሕ ዘሎ፡፡

ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ቻድ፣ኬንያን ሓዊሱ ኣብ 15 ሃገራት ኣፍሪካ ተዓቂቦም ንዘለው ስደተኛታት መዕቖቢ ዝውዕሉ 277ሽሕ ናቑጣታት ከምዘድሊ ድማ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት የመላኽት፡፡