ሰሙን ኢንተርፕርነራት ኣብ ከተማ መቐለ…

መቐለ ሕዳር 04/2010(ድወት) ሰሙን ኢንተርፕርነራት ምኽንያት ብምግባር ዓቕምን ግንዛበን ፈጠርቲ ስራሕ ንምዕባይ ዝዓለመ ስልጠና ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ መናእሰይ ዘሎ ዓቕሚ ምፍጣር ስራሕ ብሳይንሳዊ ስልጠና ምዕባይ ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ከምዝኾነ ወይዘሮ ሙሉብርሃን ኣብርሃ ገሊፀን።

ኣብዚ ስልጠና ካብ ሸውዓቲኤን ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ዝተውፃእፅኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ዝተዋፈሩ 50 ሰልጠንቲ ይሳተፉ ምህላዎም’ውን ሓቢረን።

እዚ ስልጠና ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ከይዲ ንግዲ ናብ ዘመናውን ቴክኖሎጂ ዝጠልቦን ንምስግጋር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ከተማታት ትግራይን ፈጠራ ሓዱሽ ዕድል ስራሕን ኣይተ ካሕሳይ ተስፋይ ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ኣብ ዓለምለኸ ሰሙን ኢንተርፕረነራት ምክያድ ፍሉይ ከምዝገብሮ ድማ ገሊፆም።

ኣብቲ ስልጠና እናተሳተፉ ዘለዉ ሰልጠንቲ ብወገኖም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ዓቕምን ግንዛበን ዘዕብይሉ ስልጠና ክኸውን ትፅቢት ከምዝገብሩ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ገሊፆም።