ቺርዮት ኣብ ዓቢ ጉያ ኢትዮጵያ

መቐለ ሕዳር 15/2010(ድወት) ኬንያዊት ኣትሌት ቪቭያን ቺርዮት ኣብ ዓቢ ጉያ ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይና ክትሳተፍ’ያ፡፡

10 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሽፍን ዓቢ ጉያ ጎደና 47ሽሕን 500 ሰባት ክሳተፍሉ ትፅቢት ይግበር ካብዚኦም እቶም 2ሽሕ ወፃእተኛታት ከምዝኮኑ ተገሊፁ’ሎ፡፡

ኣብዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝካየድን በብዓመቱ ቁፅሪ ተሳተፍትን ተፈታውነቱን እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ዓቢ ጉያ ተዓዋቲት 5ሽሕ ሜትሮ ጉያ ኦሎምፒክ ርዮ ኬንያዊት ቺርዮት ከምኡ’ውን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሪባ ኩማ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ክኮኑ’ዮም ተባሂሉ’ሎ፡፡(ዥንዋ)