ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ምድብ “ሀ” ተደልዲለን እንዳተወዳደራ ዝርከባ ጋንታታት ትግራይ ስሑል ሽረን፣ ኣኽሱም ከተማ....

መቐለ ሕዳር 18/2010(ድወት) ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ምድብ “ሀ” ተደልዲለን እንዳተወዳደራ ዝርከባ ጋንታታት ትግራይ ስሑል ሽረን፣ ኣኽሱም ከተማ ኣብ ቐዳማይ ሰሙን ግጥማት ኣብ ልዕሊ መጋጥመተን ዓወት ኣመዝጊበን።

ዕለተ ቐዳም ናብ ባህርዳር ተጓዒዛ ንኢትዮጵያ ኮንስትራክሽን ዝገጠመት ስሑል ሽረ ብሩክ ገብርኣብ ብዘቑፀራ ሽቶ ሓደ ንባዶ ተዓዊታ እያ።

ሰንበት ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍተን ንሱልታ ዝገጠመት ጋንታ ኣኽሱም ብሰፊሕ ናይ ሽቶ ኣፈላላይ ኣርባዕተ ንባዶ ዓወት ኣመዝጊባ እያ። እተን ሽቶታት ድማ ሙሉጌታ ብርሃነ ኽልተ ቢኒያም ደበሳይ ኽልተ ሽቶታት ከቑፁሩ ክኢሎም እዮም።

ራብዓይ ሰሙን ግጥማት ፕሪሜርሊግ ኢትይጵያ እንዳተሳተፋ ዝርከባ ጋንታ መቐለን ጋንታ ወልዋሎን ኣብ ልዕሊ መጋጥመተን ዓወት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

እዘን ጋንታታት ዕለተ ሰንበት ኣብ ተመሳሳሊ ስዓት 9:00 ግጥማተን ዘሳለጣ እንትኾና ጋንታ መቐለ ኣብ ዓብይ ስታድዮም ትግራይ ብብርክት ዝበለ ደጋፊ ተሓጊዛ ሓደ ንባዶ ኣብ ልዕሊ ጅማ ኣባጅፋር ዓወት ኣመዝጊባ እታ ብሕታዊት ሽቶ ድማ ያሬድ ከበደ ከቑፅራ ክኢሉ እዩ።

ጋንታ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታድዮም ንኢትዮ-ኤሌክትሪክ ገጢማ ሰለስተ ንሓደ ብዝኾነ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊባ እያ። ንዘን ሽቶ ድማ ፕሪንስ፣ ኣፈወርቅ ሃይሉ በረኸት ሃይሉ ከቑፁሩወን ክኢሎም እዮም።