ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ - ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ገይሩ መሪፁ።

መቐለ መስከረም 14/2008(ድወት) ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብዘካየዶ ሓምሻይ ዘመን ኻልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳርን መሪፁ።

እቲ ጉባኤ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ርእሰ ምምሕዳር ገይሩ ንኻልኣይ ግዘ ዝመረፀ ኮይኑ ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ሸይሙ።

ብተወሳኺ ወ/ሮ ቅድሳን ነጋ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኮይነን ንኻልኣይ ግዘ ተመሪፀን።

እቲ ጉባኤ ኣመሓደርቲ ዞባን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ እቲ ክልልን’ውን ዝመረፀ ኮይኑ ፈፀምቲ ኣካላት ኣከብትን ምኽትልን ቐወምቲ ኮሚቴ’ቲ ቤት ምኽርን’ውን ክሸይም እዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ዙሪያ ኻልኣይ ምዕራፍ ትልሚ ዕብየትን ለውጥን ዓሚቕ ዘተ ዘካይድ ኮይኑ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ክቕፅል እዩ።