ዓቕሚ ምልቓሕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ይዓቢ ኣሎ…

መቐለ ሕዳር 20/2010(ድወት) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንደንበኛታቱ ልዕሊ 159ቢልዮን ቅርሺ ከምዘለቕሐ ሓቢሩ።

ምኽትል ፕረዝደንት ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እቲ ባንኪ ኣይተ ሰይፉ ቦጋለ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዓቕሚ ገንዘብ እቲ ባንኪ እናዓበየ ምምፅኡ ሓቢሮም።

ኣብ 2011ዓ.ም ፈረንጂ ዓቕሚ ምልቓሕ እቲ ባንኪ ትሕቲ 16ቢልዮን ዝነበረ እንትኾን ኣብ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ግና እቲ ባንኪ ንልምዓት ፕሮጀክት፣ ንትካላት ውልቀን መሰል ስራሕቲ ዘለቅሖ መጠን ልዕሊ 159ቢልዮን ቅርሺ ምብፅሑ ሓቢሮም።

እቲ ባንኪ ኣብ መላእ ሃገር እታ ሃገር ተበፃሓይነቱ ንምስፋሕ በቢዓመቱ 150 ጨንፈራት ንምኽፋት ብመሰረት ስትራቴጂ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት እናሰርሐ ምዃኑ ኣይት ሰይፉ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ባንኪ ንዓብይ ግድብ ህዳሰ፣ ንግቤ ሰለስተ፣ ንገናሌ ዳዋ፣ ንኣዳማ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ፣ ንጣናን በለስን ፕሮጀክትታት ብምድጋፍ እናገበሮ ዘሎ ኣበርክቶ ልዑል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።