ዋዕላ ስነ-ኸባቢ ኣብ ኬንያ ይሳለጥ ኣሎ…

መቐለ ሕዳር 26/2010(ድወት) ዋዕላ ስነ-ኸባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብዚ ልዕሊ 4ሽሕ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሳተፉሉ ዘለዉ ጉባኤ ስነ ኸባቢ ዓለምና ለውጢ ኩነታት ኣየርን ብኽለት ስነ-ኸባቢን መሰረት ገይሮም ይዝትዩ ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስትራትን ዝተረኸቡሉ እዚ ዋዕላ ዓለምና ሐዚ ገጢሙዋ ንዘሎ ለውጢ ኹነታት ኣየር መፍትሒ ዝህብ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ከፈልፍሉ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሎም።

ፕሬዝደንት ጉባኤ ስነ-ኸባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኤድጋር ጉተሬዝ መጠን ብከላ ጋዝ ብምንካይ ዝሐሸ ስነ ከባቢ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ድሕሪ ምሕባር፤ኣብ ሓዱሽ ማዕቐፍ ስነ ከባቢ ብምዃን ንህዝቢ እትምቹ ዓለም ምፍጣር ከም ዝከኣል ሓቢሮም።

ምስ ሓፋሽ ማሕበራት ጥቡቕ ርክብ ብምምስራት ኣብ ስነ ከባቢ ዝበፅሑ ጉድኣታት ምክልኻል ከም ዝክኣል ዝገለፁ ድማ ሚኒስትር ስነ ኸባቢ ኮስታሪካ እዮም።
ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ዝተበከለ ከባቢ በቢዓመቱ ኣስታት 12.6ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።