ስዑዲ ኣብ የመን ትገብሮ ደብዳብ ቀፂላትሉ

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) ስዑዲ ዓረብ ንሞት ፕረዝደንት የመን ዝነበሩ ዓሊ ዓቡዱላ ሳልሕ ስዒቡ ኣብ የመን ተካይዶ ዘላ ወታሃደራዊ ደብዳብ ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለትሉ ተገሊፁ፡፡

ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሰንዓን ትሕዝቶ መእዘዚ ዕጡቋት ሃውቲ ኣብ ዝበለቶም ቦታታት እያ ኣፅዒቓ ቀፂላትሉ ዘላ ከምፀብፃብ ቢቢሲ፡፡

ብፍላይ ድማ ከተማታት ታዒዝ፣ሓዳህን ሳዓዳን ትማሊ ከበድቲ ነተጒቲ ክስማዕ ዝወዓለ እንትኾን ልዕሊ 150 ተወንጨፍቲ ሮኬታት ከምዝዓለበን ተገሊፁ፡፡

ብኢራን ዝድገፉ ዘለው እዮም እትብሎም ዕጡቋት የመን ሃውቲ ስግኣት ናብ ዘይኾንሉ ብርኪ ንምውራድ ደብዳብ ከምትቕፅለሉ ሱዑዲ ዓረብ ትገልፅኳ እንተሃለወት ተዓዘብቲ ድማ የመን ዓውደ ኲናት ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ኮይና ምህላዋ ይገልፁ፡፡

ሰሱዑዲ ዓረብ ኣብ 2015ዓ.ም.ፈ ኣትሒዛ ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲን ሮኬታትን የመናውያን ኣደዳ ስኣኖ መግቢን ኣፋውስን ክኾኑ ካብ ምግባራ ብተወሳኺ ምኽንያት ሞት 12ሽሕ ኮይና ምህላዋ ፀብፃባት ማዕኸናት ዜና የመላኽት፡፡