ሊብያ መረፃ ክተካይድ እያ

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) ኣብ ሊቢያ ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ስራሕቲ ምዝገባ መረፅቲ ከምዝተጀመረ በዓልመዚ መረፃ ሊቢያ ገሊፁ፡፡

እዚ ተግባር ተነሓናሕቲ ውድባት ዘተዓርቕን ናብ ሓድሽ መስመር መረፃ ዘሰጋግርን ብሙኻኑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝድግፎ ሓቢሩ፡፡

ሊቢያ 2011ዓ.ም.ፈ ብዝተልዓለ ቅልውላው ትሕመስ ከምዘላን በዚ ምክንያት እውን ፕረዝደንታ ዝነበሩ ሙዑመር ጋደፊ ከምዝሰኣነትን ዝዝከር’ዩ፡፡

ንሞት ፕረዝደንት ጋዳፊ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዓብይ ቅልውላውን ኲናት ሕድሕድን ከምዝተፈጠረ ስጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ክልተ ብምክፋል ነኒ ሕድሕዶም እናተፃብኡ ከምዝረከቡ ገሊፁ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ክልቲኦም ወገናት ተቐራሪቦም ንክዝትዩን ሰላም እታ ሃገር ናብ ዝነበሮ ንክምለስን ፃዕርታት እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሩ፡፡

ስእዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣኽባሪ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዚ ፀገም ክፈትሕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መረፃ ኣብ መወዳእታ 2018ዓ.ም.ፈ ክካየድ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊፁ፡፡

ምዝገባ መረፅቲ ን2ተ ኣዋርሕ ከምዝፀንሕን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ሊቢያ ድሕረ-ገፃት ብምጥቃም ክምዝገቡ ከምዝክእሉ ተሓቢሩ፡፡