5ይ ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ሕርሻ ተጀሚሩ

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) ኢንዳስትሪ ሕርሻ ንምዕባይ ዘኽእል 5ይ ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ሕርሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ሓምሻይ ዓለም ለኸ ምርኢት ናውቲ ሕርሻ፣መፍረይቲ ናውቲ ምግቢ ቴክኖሎጂን መዐሸገን ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ሚለንየም ክካየድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ብምትሕብባር ኢቴል ስራሕቲ ምልላይን ላዲን ዝተብሃለ ትካል ኣሰናዳኢ ምርኢታትን ኣኼባታትን ቱርኪ ካብ ሃገራት ህንዲ፣ፈረንሳይ፣ቱርኪ ፣ ጀርመንን ኬንያን ዝተውፃእፅኡ 73 ኩባንያታት ዝሳተፉ እንትኾኑ ካብ ኢትዮጵያ ድማ 6 ኩባንያታት ክሳተፉ እዮም።

ኣካያዲት ስራሕ ትካል ኢቴል ወይዘሮ ሃይማኖት ተስፋይ እቲ ምርኢት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘለዉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምልላይ እቲ ዓውዲ ንምድጋፍ ከም ዝሕግዝ ተዛሪበን።

ተሳተፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂታት ሕርሻን ተዛመድቲ ቴክኖሎጅታትን ኣብቲ ዓወዲ ንዝተዋፈሩ ትካላት ኢትዮጵያ ንምልላይ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለዉ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ልውውጥ ተመኩሮን ንምግባር ከም ዝሕግዞም እዉን ተዛሪበን።
ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዉ ምህርትታት ሕርሻ ብምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምሕጋዝ ድማ እቲ ምርኢት ዝለዓለ ግደ ከም ዘበርክት ወይዘሮ ሃይማኖት ገሊፀን።

ሓላፊ ፕሮጀክት ትካል ኣሰናዳኢ ምርኢታትን ኣኼባታትን ቱርኪ ላዲን ሚስተር መርት ጉል ብወገኖም ኣብቲ ምርኢት ዝሳተፉ ቁፅሪ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ምምፃኡ ድሕሪ ምግላፅ ኢትዮጵያ ኣብ ዓወዲ ሕርሻ ቀልቢ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ትስሕብ ከም ዘላ እቲ ምርኢት ባዛር በብዓመቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ሚስተር መርት ኣረዲኦም።