ኢትዮጵያ ስሉጥ ልምዓት ብምምዝጋብን ድኽነት ምንካይን መርኣያ እያ…

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ምንካይ ድኽነትን ምምዝጋብ ቕልጡፍ ዕቤትን መርኣያ ኮይና ኣላ ኢሉ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት።

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /UNDP/ ዘካየዶ ሓዱሽ መፅናዕቲ ከምዘመላኽት ኢትዮጵያ ቕልጡፍ ቑጠባዊ ዕቤት ብምምዝጋብን ድኽነት ኣብ ምንካይን ፍትሓዊ ተጠቓምነት ዜጋታት ኣብ ምርግጋዕን መርኣያ ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ትካል ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪካ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝረኣ ዘሎ መጠን ኢ-ፍትሓውነት ዕላዊ ጌሩ ኣሎ።

ብምዃኑ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ቦትስዋና፣ ናሚብያ፣ ዛምብያ፣ ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ፣ ኮሞሮስን ሌሴቶን ኢ-ፍትሓውነት ብዝለዓለ መልክዑ ይረኣየለን ዘለዋ ሃገራት እየን ኢሉ ኣሎ።

ቡርኪናፋሶ፣ ማሊ፣ ኒጀር፣ ቡሩንድን ጊኒን ድማ ፍትሓዊ ኽፍፍል ሃፍቲ ዝረኣየለን ብቐዳምነት ዝፅራሓ ሃገራት እየን ኢሉ ኣሎ።

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፅኢ ሓዱሽ መፅናዕቲ ዕላዊ ኣብዝገበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ስሉጥ ቑጠባዊ ዕቤት ብምምዝጋብ መጠን ድኽነት ብዝለዓለ መልክዑ ብምንካይን ፍትሓዊ ተጠቓምት ኣብ ምርግጋፅን ብኣብነት ትፅራሕ ሃገር ኢሉዋ ኣሎ።