ፓርክታት ኣግሮ ኢንዳስትሪ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ልዑል ግደ ኣለዎም…

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ትሃንፆም ዘላ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ዋሕዚ ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ዝለዓለ እጃም ዘለዎም ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ዓውደ ማኒፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ብ25ሚኢታዊ ንምዕባይ መደብ ሒዛ ትንቐሳቐስ ኣላ ዝበላ ኦል ኣፍሪካ ዶት-ኮም ነዚ ንምዕዋት ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ፓርክታት ኢንዳስትሪ መወሃሀድቲ ምህርቲ ሕርሻ ይሃንፅ ኣሎ ይብል።

እዞም ፓርክታት መወሃሀድቲ ምህርቲ ሕርሻ ብልዕሊ 2.5ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉ ኮይኖም ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ማእኸል ዓውደ ማኒፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ናይ ምዃን ጉዕዞ ዘመላኽት እዩ።

ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ድማ ክሳብ 2025ዓ.ም ፈረንጂ ኣብዘለዉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 17 ፓርክታት ኢንዳስትሪ መወሃሀድቲ ፍርያት ሕርሻ ክህነፁ እዮም።

እዚኦም ድማ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮን ምህርቲ ሕርሻን ክብሪ ብምውሳኽ ናብ ወፃኢ ሰደድ ንምግባርን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብን ሓገዝቲ እዮም።

ብዜካ እዚ እዞም ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዋሕዚ ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምዕባይ ዝለዓለ ግደ ከምዝህልዎም ድረ-ገፅ ኦል ኣፍሪካ ዶት-ኮም ፀብፂቡ።