መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ጥንኩር ሕገ-መንግስቲ ንክፍጠር ዕድል ፈጢሩ’ዩ…

መቐለ ሕዳር 28/2010(ድወት) በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓደ ነቲ ካልእ ኣፍልጦ ብምሃብ ጥንኩር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንክፍጠር ዘኽእል በዓል እዩ ኢሎም ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ያለው ኣባተ።

መበል 12 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ክልል ዓፋር ዝኽበር እንትኸውን ኣካል እዚ በዓል ዝኾነ ሲምፖዝየም ባህሊ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ድማ ሎሚ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ያለው ኣባተ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሲምፖዝየም ከምዝበልዎ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓደ ነቲ ካልእ መሰል ኣፍልጦ ብምሃብ ጥንኩር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንክፍጠር ጌሩ ኣሎ።

ሕገ-መንግስታዊ ኣስተምህሮ ግን ኣብቲ ሕብረተሰብ በቲ ዝድለ ደረጃ ኣብ ምስራፅ ፀገም ከምዘሎ ገሊፆም።

ዜጋታት ብሓድነትን ፍቅርን ተስማዕሚዖም ዘፅደቕዎ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ሓበራዊ ሰነድ ቓል ኪዳን ኮይኑ የገልግሎ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ያለው ኣባተ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዝፈጠረሎም መሰል ተጠቒሞም ኣብ ልምዓት፣ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳርን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ይግስግሱ ከምዘለዉ ድማ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ሓጂ ስዮም ኣወል ብወገኖም መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክብሪ ሓቢርካ ምንባርን ምልማዕን ዘጐልበተ እዩ።

ኣብ በቢ ክልሉ ምኽባሩ ድማ ልምድን ተሞክሮን ንምልውዋጥ ርክብ ህዝብን ንህዝብን ምጥንኻር ባህልን ቋንቋን ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።