ብሉፅ ሓድነት ደገፍቲ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓድግራትን ጋንታ ከተማ መቐለን

መቐለ ታሕሳስ 10/2010(ድወት) ብዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ መከላከያ ኣብ ዝነበረ ፀዋታ ደገፍቲ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዘርኣይዎ ፅቡቕ ስፓርታዊ ጨዋነት ተጠናኪሩ ክቅፅል ከምዘለዎን ኣብዚ ዓመት ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ እተካይዶም ግጥማት ኩሉ ምንቅስቃስና ብስፓርታዊ ጨዋነት ክኸውን ምስ ደገፍትና ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና ክብሉ ኣመራርሓ እታ ጋንታ ገሊፆም፡፡

ደገፍቲ ጋንታ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲግራት መፂኦም ዝገበርዎ ድጋፍ’ውን ብሽም ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስጋና ተዋሂቡ ኣሎ፡፡

ደገፍቲ 2ቲኤን ጋንታታት ብወገኖም እንዳተደጋገፍና ብሓደ ብፅቡቕ ኩነታት ንጋንታታትና ክንድግፈን ኢና ኢሎም ብፍሉይ ንስፓርት ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሓብዎ ሓበሬታ፡፡