ቱርኪ ኣዋጅ ህፁፅ ን6ይ እዋን ክናዋሕ ጌራ

መቐለ ጥሪ 01/2010(ድወት) ኣዋጅ ህፀፅ ግዘ ቱርኪ ንሻድሻይ ግዘ ተናዊሑ።

ቱርኪ ብምኽንያት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓመተ ፈረንጂ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ እናንወሓቶ ዝመፀት ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ሐዚ እዉን ንሻድሻይ ግዘ ተናዊሑ’ሎ።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር ሬሲጵ ጣይጵ ኤርዶጋን ድማ ንምንዋሕ እቲ ኣዋጅ ከምዝፈረሙ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

በዚ ድማ ቱርኪ ን 18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ትመሓደር ኣላ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር በክር ቦዝዳግ ንምንዋሕ እቲ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መግለፂ፤ ስግኣት ፀጥታ ቱርኪ ብሙሉእነት ንምፍታሕ እቲ ኣዋጅ ምንዋሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ ኢሎም።

ካብ 2016ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ብምኽንያት እቲ ዘይዕውት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ልዕሊ 50ሽሕ ቱርካውያን ከምትኣሰሩ ፀብፃባት የመላኽቱ።