ኣብ ዩንቨርስቲ ፓን ኣፍሪካ ዝዝቲ ዋዕላ ክካየድ እዩ…

መቐለ ጥሪ 03/2010(ድወት) ኣብ ጉዳይ ምስረታ ዩንቨርስቲ ፓን ኣፍሪካ ዝዝቲ ሃገርለኸ ጉባኤ ዝመፅእ ዘሎ ሶኒ ክሳለጥ እዩ።

ኣተሓባባሪ እቱ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ዩንቨርስቲ ፓን ኣፍሪካ ንምጥያሽ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ ዝሓለፈ ዓመት ድማ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝህነፀሉ ከተማ ዓድዋ እምነ-ሰረት ዝተቐመጠሉን ብብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተቐባልነት ዝረኸበን ዛዕባ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ እቲ ዩንቨርስቲ ድሕሪ ኽልተ ዓመታት ግልጋሎት ኣብዝጀምረሉ ዛጊድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝግምገመሉን ቐፀልቲ ኣንፈታት ድማ ዝንፀረሉ ክኸውን እዩ።

ብዜካ እዚ መንግስቲ ምስ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝ ኣብዝገብርሉ ጉዳይ ክዝቲ እዩ።

ድሕሪ ኽልተ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ጉዳይ ዩንቨርስቲ ፓን ኣፍሪካ ዓለምለኸ ጉባኤ ክካየድ እዩ።