ዓለምለኸ ምርኢት ዕምበባን ፍረምረን

መቐለ ጥሪ 03/2010(ድወት) ዓለምለኸ ምርኢት ዕምበባን ፍረምረን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ማሕበር ኣፍረይቲ ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ከምዝበሎ ፤ ሆርቲ ፍሎራ ኤክሰፖ 2018 ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ክካይድ እዩ።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት 120 ዓለምለኻውያን ኣፍረይቲ ዕምበባ፤ ኣቕረብቲ እታወት፣ ኣማኸርቲን መዳርግቲ ኣካላት ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ክሳተፉ እዮም ኢሉ’ሎ እቲ ማሕበር።

ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይቲ ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ኣይተ ቴድሮስ ዘውዴ፤ እቲ ዓለምለኻዊ ዓውደ ምርኢት ን 7ይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ካብ 7 ለካቲት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ጎና ጎኒ እቲ ዓውደ ምርኢት ኣኼባታት ቢዝነስ ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ዝሳተፍሉ ዓውደ መፅናዕቲ ዕምበባ፣ ፍረምረን ስራሕቲ ሕርሻን ክቐርቡ እዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ፍርያት ዕምበባ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምልኣኽ ካብ ኣፍሪካ ካልአይቲ ምዃና ዘዘኻኸሩ ኣይተ ቴድሮስ፤ ኣብ ተኽልታትን ፍረምረን ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ናብ ንግዲ ወፃኢ ብምቕራብ ትፅቢት ዝግበር እቶት ንምርካብ ዓበይቲ ስራሕቲ ይሳለጡ ከምዘለው ተዛሪቦም።