ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣሜሪካን ቱርክን ኣብ ሓደጋ’ዩ ቱርኪ

መቐለ ለካቲት 06/2010(ድወት) ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቱርክን ኣሜሪካን ኣብ ሓደጋ ምቑራፅ ከምዝኣተወ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሙቭሉት ካቩ ሶግሉ ከምዝበልዎ ርክብ 2ቲኤን ሃገራት ሙሉእ ብሙሉእ ንክቋረፅ ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ በፂሑ ይርከብ ኢሎም፡፡

ሐዚ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ዝበፅሐ ርክብ ቱርክን ኣሜሪካን ከምብሓድሽ ምትዕርራይ ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ንምቁራፅ ኣብ ዘድልዮ ሰዓት በፂሑ ኣሎ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም፡፡

ካቩ ሶግሉ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዋሽንግተን ምስ ኣንካራ ዘለዎ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ንክሰጋገር ብርክት ዝበሉ ስሕተታት ፈፂማ’ያ ኢሎም፡፡

እዚ ብፍላይ ንዓመፅቲ ምልሻታት ኩርዲሽ (YPG)ትህቦ ሓገዝ መርኣያ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡