ኲዌት ንፕሮጀክታት ልምዓት ኢትዮጵያ ሓገዝ ትገብር’ያ ኣምባሳደር ኲዌት

መቐለ ለካቲት 06/2010(ድወት) ኲዌት ንፕሮጀክታት ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምእተጠናኽር ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኲዌት ራሸድ ፋሌህ ኣል ሃጂሪ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ከምዝበልዎ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ብምሕጋዝን ሕብረተሰብ ተረባሒ ንክኸውንን ካብ ዝገብሩ ሃገራት ብቐዳምነት እትፅራሕ ሃገር’ዩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ኲዌት ብሓገዝ ልምዓት ኲዌት ኣቢላ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት መሰረተ ልምዓት መንገዲ ምስፍሕፋሕ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓገዝ ገንዘብ እናገበረት ከምዘላ ገሊፆም፡፡

ብቐፃሊ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ንምሕጋዝ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ገሊፆም፡፡

ሃገሮም ኣብዚ ዓመት ብፍላይ ኣፍሪካ ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ካብ ይህቦ 1 ቢልዮን ዶላር ኢትዮጵያ’ውን ተረባሒት ከምትኸውን ኣመልኪቶም፡፡

ርክብ ኢትዮጵያን ኲዌትን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር ኣብዚ ሐዚ እዋን 2ቲኤን ሃገራት ተለወጥቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምኳነን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ዓለምለኻዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ምችው ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

2ቲኤን ሃገራት ካብ ዘለወን ጥንኩር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብዝሰገረ ርክብ ንግድን ኢንቨስትይመንትን 2ቲኤን ሃገራት ንክጠናኸር ኲዌት ከምትሰርሕ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኲዌት ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ሃፍቶም ከዋፍሩ ከምዝሰርሕ እውን ኣምባሳደር ራኽድ ኣብሪሆም፡፡

ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኲዌትን ኣብ 1967ዓ.ም.ፈ ዝተጀመረ’ዩ፡፡