ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ግብፂ ተናዊሑ…

መቐለ ሚያዝያ 06/2010(ድወት) ግብፂ ደንጊጋቶ ዝፀንሐት ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ምንዋሓ ተፈሊጡ።

ፕረዝደንት እታ ሃገር ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምንውሑ ገሊፆም ኣለዉ።

ግብፂ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝደንገገት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ኮቲቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ስዒቡ እዩ።

ካይሮ ነዚ ኣዋጅ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ዝወሰነት ኣብታ ሃገር ብስፍሓት ዝረኣ ዘሎ ተግባራት ግብረ ሽበራ ንምጥፋእን ንኣሸበርቲ ሓገዝ ዝገበሩ ኣካላት ንምሓዝን ዓሊማ እያ።

ብፍላይ ካብ 2011ዓ.ም ፈረንጂ ናብዚ ኣብ ዘሎ ግዘ ግብፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ግብፂ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ እናተፈፀሙ ይርከቡ።