ምዝዋር ኤምባሲ ኣሜሪካ-ናብ እየሩሳሌም…

መቐለ ግንቦት 06/2010(ድወት) ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ምኽፋት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ እየሩሳሌም ከብስር እስራኤል ኣትዩ።

ጓሎም ንፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢቫንካ ምስ በዓል ቤታ ጃረድ ኩሽነር ምስ ላዕለዎት ኣማኸርቲ መንግስቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ክሳተፉ ኣብ እስራኤል ይርከቡ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዛጊድ ካብ ዝነበሮ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ከምዝዛወር ምግላፆም ስዒቡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዋላኳ እንተተቋወምኦ እቲ ውሳነ ብምፅናዕ ሎመዓንቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

እየሩሳሌም ንእስራኤልን ፍልስጤምን ተዋጥጥ ከተማ ኮይና ብፍላይ ድማ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣብ 1967ዓ.ም ፈረንጂ ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ብእስራኤል ዝተወሰደት ግዝኣትና እያ ዝብል ጠንካራ ሕቶ ፍልስጤም ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ጉዳይ መዕለብን ፍታሕን ዘይረኸብናሉ እናሃለና ኣሜሪካ እዚ ዓይነት ውሳነ ምውሳና እየሩሳሌም ግዝኣት እስራኤል እያ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ ብዝብል ዝመረረ ወቅዒት እዚ ክፍለ ዘመን ኢሎም ገሊፆምዎ ሰበ ስልጣን ፍልስጤም።

ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤናሚን ኔታንያሁ ግን ስጉምቲ ኣሜሪካ ሰላም እቲ ከባቢ ዘመሓይሽ ቅኑዕ ውሳነ እያ ኣሕሊፋ በሉ እሞ ኻልኦት ሃገራት እውን ኣሰር ኣሜሪካ ክስዕባ ፀዊዖም።

ብመሰረት እዚ ድማ ሎመዓንቲ ኣብ ነባር ህንፃ ቆንሱላ ኣሜሪካ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ቴልኣቪቭ ብዕሊ ከምዝተዛወረ ክግለፅ እዩ።

ኣብዚ ስነ-ስርዓት ምዝዋር ኤምባሲ ዶናልድ ትራምፕ ብቪድዬ መልእኽቲ ከሕልፉ ትፅቢት ዝግበር እንትኾን ኤቫንካ ትራምፕ ምስ በዓል ቤታ ጃሬድ ኩሽነር ሓዊሱ ሓላፊ ግምዣ ቤት ኣሜሪካ ስተቨን መኑሺንን ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ሱሊቫንን ክርከቡ እዮም።

ሃገራት ጓቲማላን ፓራጓይን ንውሳነ ኣሜሪካ ካብ ዝደገፉ ሒደት ሃገራት ተጠቀስቲ እንትኾና መራሕተን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

ሕብረት ኣውሮፓ ግን ጠንካራ ተቋውምኡ የስምዕ ኣሎ።