ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዝተወለዐ ጐንፂ ልዕሊ 55 ሰባት ሞይቶም…

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ብምኽንያት ዓመፅ ወሽመጥ ጋዛ ኣብ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝርከቡ ኣምባሳደራት ከምዝፀወዐት ቱርኪ ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲኣ ካብ ቴል ኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ምዝውዋሩ ስዒቡ ፍልስጤማውያን ሓያል ዓመፅ ተቋውሞ የካይዱ እዮም ዘለዉ።

በዚ ድማ ምስ ወታሃደራት እስራኤል ተጓኒፆም ልዕሊ 50 ፍልስጤማውያን ከምተቐተሉ ፀብፃባት የመላኽቱ።

ነዚ ስዒቡ ቱርኪ ኣምባሳደራት ሃገራ ካብ ኣሜሪካን እስራኤልን ከምትስሕብ ገሊፃ ኣላ።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ከምዝፀብፀቦ ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትር በክር ቦዝደግ ነቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ብምኽንያት ምዝውዋር ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ እየሩሳሌን ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ዝቋወመኦ ዘለዋ ኮይነን ብፍላይ ዋና ከተማና እያ ብምባል ምስ ወታሃደራት እስራኤል ይጓነፁ ከምዘለዉን ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ብኣሽሓት ከምዝቖሰሉ ይግለፅ።

በዚ ድማ ትማሊ ደቡብ ኣፍሪካ እውን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣምባሳደራ ከምዝፀወዐት CGTN ፀብፂቡ።