260 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሒኖም…

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ኣብ ሓደገኛ ኹነታት ዝነበሩ 260 ስደተኛታት ከምዘድሓኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ገሊፆም።

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ከምዝበልዎ እቶም 260 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣፍሪካውያንን ኤስያውያንን አዮም።

ኣብ ምዕራባዊ ባሕሪ ሊብያ ናብ ጣልያን ክሳገሩ ኣብ ኽልተ ኣናእሽቱ ጀልባታት ተፀቓቒጦም ኣብ ሓደገኛ ኹነታት ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኢዮብ ቃሲም ንዥንዋ ገሊፆሙሉ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ማእኸል ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ትራፓሊ ዝተወሰዱ ኮይኖም ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ግሎባል ታይምስ ፀብፂቡ።