ሰብኣዊ ሓገዛት ምስ ስራሕቲ ልምዓት ተወዲዶም እወንታዊ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ይግባእ…

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ሰብኣዊ ሓገዛት ምስ ስራሕቲ ልምዓት ተዋዲዶም እወንታዊ ፅዕንቶ ብዝፈጥር መልክዑ ክትግበሩ ከምዘለዎም ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣገንዚቦም።

ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቐይሕ ወርሒ ሕብራት ዓረብ ኤምረትስ ዶክተር መሓመድ ኣቴክ ኣል ፋላሂ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ምስ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቐይሕ ወርሒ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ኣብዘካየድዎ ዘተ እቲ ማሕበር ብቐፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጦም ኣብ ዝሓሰቦም ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝምልከት ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ማሕበር ቐይሕ ወርሒ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሳለጦም ሰብኣዊ ሓገዛት ናእደኦም ዘቕረቡ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ እቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ዘላቒ ተጠቃምነት እቲ ማሕበረሰብ ከረጋግፁ ኣብ ዝኽእሉ ስራሕቲ ልምዓት ትኹረት ክገብሩ ሓቲቶም።

ብምዃኑ እቲ ማሕበር ዘሳልጦም ሰብኣዊ ሓገዛት ምስ መሰረታዊ መትከል ብምትእስሳር ዘላቒ ሂወትን መነባብሮን እቲ ማሕበረሰብ እወንታዊ ፅዕንቶ ብዝፈጥር መልክዑ ተዋዲዶም ክሰርሑ ድማ ኣገንዚቦም።