ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ 5.6ሚልዮን ፈልስታት ተዳልዮም…

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ልዕሊ 5.6ሚልዮን ፈልስታት ተዳልዮም ከምዘለው ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ እቶም ፈልስታት ተዳልዮም ዘለዉ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ፈልሲ መንግስቲ ብውልቀ ማሕበራት ኣብ ዝውነና ጣብያታት ፈልሲ ከምኡ እውን ኣብ ትካላት መንግስትን ብውልቀ ሓረስቶት ዝተተኸሉ እዮም፡፡

እቶም ኣብ ዝተጠቐሰ ጣብያታት ፈልሲ ተዳልዮም ግቡእ ክንክን እናተገበረሎም ዝርከቡ ልዕሊ 5.6ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ዝቕፅል እዋን ክረምቲ ኣብ መፋስሳት ሓባር ትሕዝቶ መሬት ውልቀ ሓረስቶት ትካላት መንግስትን ኣብያተ እምነትን ዝትከሉ እንትኾኑ ንኮንስትራክሽንን ነዳድን ከምኡ እውን ንቐለብ እንስሳን ኻልኦትን ግልጋሎት ዝውዕሉ ምዃኖም እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረዲኡ፡፡

ካብዚ ብዝሰገረ እቶም ዝትከሉ ተኽልታት ኣብ ምክልኻል ፍግረ መሬት ምውሳኽ ልሙዕነት ሓመድን ምክልኻል ምዝባዕ ሚዛን አየርን ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣገንዚቡ፡፡