ዘተ ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ተሰሪዙ…

መቐለ ግንቦት 08/2010(ድወት) ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ሎመዓንቲ ከተካይዶ ሓሲባ ዝነበረት ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰሪዛ።

ሰሜን ኮርያ ከምዝገለፀቶ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ፃሕታሪ ነገር እዩ።

ብስሩ እውን ንወራር ዝግበር ቅድመ ምድላው እዩ ብዝብል ቑጠዐ ብደረጃ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኽልቲኤን ሃገራት ክካየድ ንሎሚ ቆፀሮ ተታሒዙሉ ዝነበረ ዘተ ሰሪዛቶ ኣላ።

ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጐ መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ክካየድ ንዕለት 12 ሰነ ቆፀሮ ዝተትሓዘሉ ታሪካዊ ዘተ ናብ ሕቶ ምልክት ከምዘእተወቶ ሰሜን ኮርያ ገሊፃ።

ዳግም ከምትፍትሾ እውን ሓቢራ።