እቶት ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ልዕሊ 14.4ሚልዮን ቅርሺ እቶት ኣኪበ ኢሉ።

መቐለ ግንቦት 08/2010(ድወት) ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ውሽጢ ልዕሊ 14.4ሚልዮን ቅርሺ እቶት ኣኪበ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ደጉዓ ተምቤን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ብእቶት እታ ወረዳ ክኢላ ትምህርትን ስልጠናን ኣይተ ገብረመድህን ገብረሊባኖስ ኣብዚ ዓመት ውሽጢ ክእከብ ካብዝተተለመ 18.2ሚልዮን ቅርሺ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 14.4ሚልዮን ቅርሺ ክእከብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

እቲ ሎሚ ዝተረኸበ እቶት ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ዝሓሸ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኸፋላይ ግብሪ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ግንዛብኡ እናዓበየ ምምፅኡን ኣብ ሞንጎ ነጋዳይን መንግስትን ዘሎ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ኣሰራርሓን ስዒቡ ከምዝኾነን ኣይተ ገብረመድህን ገሊፆም።

እቲ ዝተረኸበ እቶት ድማ ካብ ቐጥታ፣ ቐጥታ ዘይኾኑ ታክስታትን ታክሲ ዘይኾኑ ኣታዊታትን ዝተረኸበ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ገብረመድህን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብዝስርሑ ስራሕቲ ግና ገና ምውዳድ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ወረዳ ልዕሊ 1ሽሕን 200 ኸፈልቲ ግብሪ ከምዘለዉ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።