ቱርኪ ካብ መሸጣ መኪና ከሲባ ኣላ

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) ቱርኪ ካብ መሸጣ መኪና 3.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ገሊፃ።

ቱርኪ ሐዚ ኣስታት 200ሽሕ መካይን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝወነነት ሚኒስትር ሳይንስ ኢንዳስትሪን ቴክኖሎጂን እታ ሃገር ፋሩክ ኦዝሉ ሓቢሮም።

እቶም ቱርኪ እናፍረየት ናብ ዕዳጋ ዓለም ተቕርቦም ዘላ መካይን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተጠቐሙ ምዃኖም ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

ንኢንዳስትሪ መፍረይ መካይን ቱርኪ ኣብ ዝኸፈተቶም ኢንዳስትሪታት ኣስታት 24ሽሕ ቀጥታን ተዘዋዋሪን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረት’ውን እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም።

እታ ሃገር ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ መሸጣ መካይን እትረኽቦ ኣታዊ ንምዕባይ ትልሚ ሒዛ ከምዘላ ገሊፃ።