ፈረንሳይ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈታሕ ትሕግዝ እያ…

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) ፈረንሳይ ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ከምእትድግፍ ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዥያን ይቨስ ለድርየን ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶም ዘሎ ቑጠባዊ ምምሕያሻት ተስፋ ዝህቡ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቋሪፁ ዝፀንሐ ዘተ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ደሌቶም ምዃኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ዘተባብዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ዲፕሎማስያውን ቑጠባውን ምትእስሳር ኽልቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ እዮም እቶም ሚኒስትር ዝገለፁ።

ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ዕልባት ክረክብ ሓገዝ ከምዝገብሩ እውን ኣፍሊጦም።