ስምምዕነት ኑክሌር ኢራን ብሙሉእነት ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ-ቻይና…

መቐለ ሰነ 05/2010(ድወት) ስምምዕነት ኑኩሌር ኢራን ብሙሉእነት ንክፍፀም ክቕፅል ኣለዎ ኢላ ቻይና።

እቲ ስምምዕነት ሓበራዊ ድሌት ነቲ ስምምዕነት ዝፈፀማ ሃገራት ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዢ ፒንግ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ወሰንነት ከምዘለዎ ኣሚቶም።

ፀብፃብ ሲጂቲኤን ከምዘመላኽቶ ፕረዝደንት ሺ ዢ ፒንግን ፕረዝደንት ኢራን ሓሰን ሮውሃኒ ድሕሪ መበል 18 ጉባኤ ምትሕብባር ጥምረት ሻንጋሃይ ተራኺቦም ኣብ ኽልቲኣውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ዘትዮም ኣለዉ።

ፕረዝደንት ሓሰን ሮውሃኒ ብወገኖም ኣብ ሞንጐ ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝተፈረመ ስምምዕነት ኑክሌር ኢራን ዕንቅፋታት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ብምግላፅ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ቻይና እቲ ስምምዕነት ብዘይምንጥብጣብ ብእወንታ ክትግበር ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም ክብል እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።