ምህርቲ ሰሊጥ ንምዕባይ ሓገዝ ክግበር እዩ…

መቐለ ሰነ 05/2010(ድወት) ምህርትን መፍረያይነትን ሰሊጥ ብፅሬት ንምዕባይ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝገብር ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ኣብ ከተማ መቐለ ንኽልተ መዓልትታት ክካየድ ኣብዝቐነየ ሃገርለኸ ፎረም ቢዝነስ ሰሊጥ ዝተረኸቡ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ቡን ቐፂሉ ኣብ ሃገርና ዝለዓለ ሸርፊ ወፃኢ ዝርከበሉ ምህርቲ ሰሊጥ ዝግባእ ትኹረት ኣይተውሃበን ኢሎም።

ምህርቲ ሰሊጥ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብመጠንን ፅርየትን ንክቐርብ መንግስቲ ብኣሰራርሓን ማዕቐፍ ሕግን ፍሉይ ሓገዝ ከምዝገብር ድማ ተዛሪቦም።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ሃገርና ንምቕላል ተስፋ ካብዝግበረሎም ምህርትታት ሕርሻ ሓደ ዝኾነ ምህርቲ ሰሊጥ ዝሓሸ ኣታዊ ንክርከበሉን ክብሪ ወሲኻ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርብን ከምዝግባእ ድማ ዶክተር ደብረፅዮን ኣገንዚቦም።

ምህርቲ ሰሊጥ በቲ ዝተለመደ መንገዲ ናበ ዕዳጋ ምቕራብ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ እዩ ዝበሉ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ማሕነቖታት ቐረብን ልቓሕን ገንዘብ ስርዓት ዕድጊትን ብትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍታሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

መንግስቲ ፌደራል፣ ትካላት ፋይናንስ፣ ማእኸላት ምርምርን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ምህርቲ ሰሊጥ ብፅርየት ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ ክገብሩ ድማ ሓቲቶም ክብል ኢዜኣ ሓቢሩ።