ተወሳኪ ቀረፅ ምህርታት ኣሜሪካን ቻይናን ካብ ሎሚ ክጅምር’ዩ

መቐለ ሰነ 29/2010(ድወት)ኣሜሪካ ካብ ቻይና ኣብ ተእትዎም ምህርታት ዝደንገገቶ ቀረፅ 25 ሚኢታዊ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራት ክኸውን’ዩ ተባሂሉ።

ኣሜሪካ 50 ቢልዮን ዶላር ኣብ ዝግመት ምህርቲ ቻይና ተወሳኪ ቀረፅ 25ሚኢታዊ ከምዝደንገገት ዝፍለጥ ኮይኑ ሎመዓንቲ ድማ ጎማ ነፈርቲ ሓዊሱ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኣትው 34ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ናውቲ እቲ ተወሳኪ ቀረፅ ተግባራዊ ምኳን ዝጅመረሉ’ዩ ተባሂሉ።

ቻይና’ውን ብተመሳሳሊ ናብ ሃገራ ኣብ ዝኣትው ፍርያት ሕርሻን መካይንን ሓዊሱ ካልኦት 34 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ምህርታት ኣሜሪካ 25 ሚኢታዊ ቀረፅ ከተክፍል ክትጅምር’ያ ተባሂሉ’ሎ።

ኣሜሪካን ቻይናን ደንጊንኦ ዘለዋ ቀረፅ ኣብ 2ቲአን ዓበይቲ ወነንቲ ቁጠባ ዓለም ትርጉም ዘለዎ ፅልዋ ክፈጥር’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ ንግድን ምዕባለን ምንጋዕ ክፈጥር ከምዝክእል ይግመት።