3ተ ማእከላት ሕክምና መንሽሮ ተሃኒፀን

መቐለ ሰነ 30/2010(ድወት) ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ካብ ዝሃንፆም ዘሎ 7 ማእከላት ሕክምና መንሽሮ እቶም ሰለስተ ተዛዚሞም መሳርሒ ሕክምና ይትከለሎም ከምዘሎ ገሊፁ።

እቶም ማእኸላት ኣብ ሃረማያ፣ጎንደር፣መቐለን፣ሃዋሳ፣ጅማን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝህነፁ ዘለው እዮም።

ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ህይወት ፋናን፣ዩኒቨርስቲ ጅማ ንዝተጣየሹ ማእከላት ህንፀቶም ተዛዚሙ መስርሒታት ሕክምና ይትከለሎም’ሎ።

እዞም ማእኸላይ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝህነፁ ዘለው ኾይኖም ናውቶም ንምምላእ 22 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ተገይርሎም’ዩ።

ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና ከምዘመላኽቶ ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ኣብ ልዕሊ 61ሽሕ ሰባት ሓዱሽ ረክሲ ሕማም መንሽሮ ይምዝገብ ልዕሊ 44ሽሕ ሰባት ድማ ምስዚ ሕማም ብዝተትሓሓዘ በብዓመቱ ይሞቱ።