ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣትዮም

መቐለ ሓምለ 01/2010(ድወት)ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ብምምራሕ ኣስመራ ዝኣተው ፈፃሚት ስራሕ ኢህወደግ 28 ግንቦት 2010ዓ.ም ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት ኣብ መንጎ 2ቲኤን ሃገራት ንኣስታት 20 ዓመታት ዝፀንሐ ጎንፂ ንምፍታሕ ብዝተጀመረ ምንቅስቃስ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ውሳነ መንግስቲ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኸ ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ብደረጃ መራሕቲ 2ቲኤን ሃገራት ኣብ ዘላቒ ሰላም እተን ሃገራት ንምዝታይ ከምዝረኸቡ ምግላፆም ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ ኣሎ።

ምስ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወ ጉጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ወ/ሮ መፈሪያት ካሚልን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሐጂ ስዮም ኣወልን ካልኦት ሓለፍትን ዘሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።